Welcome to Tigrai Online,      Daily News that matters


Wurayna the only private owned Tigrigna magazine

Tigrai Online, October 29, 2013

The last coin new Ethiopian movie
Wurayna the only private owned Tigrignamagazine

ዝከበርኩም መንበብቲ፣ ደንበኛታት፣ ቤተሰብን ተገደስትን መፂሄት ዉራይና፡
መፂሄትኩም ካብቲ ልሙድ መሐተሚ መዓልታ ቅሩብ ድንጉይ ኢላ ግን ድማ ብፅቡቃት ትሕዝቶታት መፂኣ ኣላ። ቀንዲ ትሕዝቶታት እዛ ናይ ሎሚ ዉራይና፦ 1. ብዛዕባ ኣብ ህወሓት ውሽጢ ዘጋጠሙ ሕሽንፍሽፍሻት ኣፈታተሐኦምን ውፂኢቶምን፡ ካበ ድሕረ ባይታ በቢመድረኩ ዘጋጠሙ ክሳብ እቲ ሐዚ ዝኒሀ ኩነታት ብዝድህስስ መልክዑ ተኸሺኑ ቀሪቡ ኣሎ። 2. ምስ ደራሲን ነባር መሪሕነት ህወሓትን ኣቶ ኣታክልቲ ሓጎስ ኣብ ዙርያ ህልው ኩነታት ህወሓትን ሓፈሻዊ መንነት ህዝቢ ትግራይን ሰፊሕ ወግዒ ገይርና ኣለና። ኣታክልቲ ...ይብል" ተጋሩ ንኢትዮዽያ መስዋእቲ ዝኾኑንን ዘድሓንዋን እየ ገይረ ዝወስዳ። "...."ሃፀይ ቴድሮስ 100% ትግራዋይ እዩ። ግን ኣብ ቋራ እዩ ተወሊዱ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ። "......ሽዑ እቲ ኣተኣላልያ እውን ብኣቃልቦ ወይ ድማ ብዘይምሕሳብ ምክንያት ዘይደሞክራስያዊ ነይሩ ትብሎ ኣተኣላልያ እዩ። "......"፤እታ ፀገም ነናብ ፃሕልና ምስ ኣተና እቲ ቓልሲ ናብ ጎኒ እናገደፍካ ናብ ክብርኻ ጥራሕ እትሪአሉ ኣተሓሳስባ ተፈጢሩ እየ ዝብል። ሽዑ ዝመፀ ንምንታይ ተተንከፍና እዩ።" ዝብሉን ካልኦትን የዉግዕ። 3. ኣብ ነባራት ተጋደልቲ ምስ ጡረታን ካልኦት ጉዳያትን ተተሓሒዙ ዘለዉ መረረታት ዝድህስስ ፅሑፍ፤ ከምቲ ሉሙድ እቶም ፍሉጣት ዓምደኛታትና ፡ እኒ መም/ር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም፣ ዶ/ር ክንፈ ኣብረሃ፣ መሓሪ የውሃንሰ ፣ ሃይላይ ሓድጉ ፣ መንግስቱ ገብረመድህን፣ መምህር ተክለ ሓጎስ፣ ኣቤል ጉዕሽ፣ ክብሮም ኣብርሃ(ሳብያን)፣ የማነ ሰገድ ፣ ጎይተኦም ገብሩ ...ወዘተ ዝበሉ ፀሓፍቲ ኣብ ዝተፈላለየ ርእስታት ዘዳለውዎም ፅሑፋት ኣለው። ብዝኮነ መፂሄት ዉራይና ነሃትኩም ሓገዝ ከም ዘድልያ ፍሉጥ እዩ። ስለ እዚ ሰብ ክረክባን ከንብባን ካብ ምግባር ክሳብ ሪኢቶ ምሃብን ፅሑፍ ምድላውን ዝበሉ ካባኹም ንፅበ። ክቡራትን ክቡራንን እዚኣ ናብ ኩሉ መሓዛኩም/ዓርክኩም ኣባፅሕዋ ወይ share ግበርዋ። ዉራይና ክገዝእ ዝደሊ ኣብ ኣዲሰ ኣበባ ይኩን ኣብ ትግራይ ብ0911057747 እንተደዊልኩም ናብ ዘለኩሞ ነምፅእ ወይ ንሕብረልኩም ኢና። ወይ ድማ gechuwurayna@gmail.com or gechdwet@yahoo.com ፀሓፉልና። ንትሕብብርኩም የመና ነመስግን!! ካብ ምስንዳእ መፂሄት ዉራይና።

Advertisements